Tigrinya - ትግርኛ ፊደል

Privacyreglement Integratiewerk

ናይ ውልቃዊ-ድንጋገታት ናይ “ኢንተኽራሲ-ቨርክ”

“ኢንተኽራሲ-ቨርክ” በቲ ናይ ኔዘርላንድስ-ሕጊ-ውልቃውነት (wet over privacy, de AVG) እያ እትምራሕ።

ሰራሕተኛታት ናይ “ኢንተኽራሲ-ቨርክ” ነቲ ናትኩም ናይ ውልቂ-ሓበሬታ ብጥንቃቐ ክሕዝዎ ይግደዱ። 

ውልቓዊ-ሓበሬታታት ከም እኒ ኣድራሻ፡ ዝተወለድኩሙሉ ዕለት፡ “ቢ.ኤስ.ኤን-ቁጽሪ” ከምኡውን ሓበሬታ ብዛዕባ ደረጃ ምትሕንፋጽኩም ምስ’ዚ ዘለኹሞ ሕብረተሰብ፥ እዮም።
መታን ብደንቢ ክትሕግዘኩም፥ “ኢንተኽራሲ-ቨርክ” ውልቃዊ-ሓበሬታኹም የድልያ። በዚ ምኽንያት እያ “ኢንተኽራሲ-ቨርክ” ሓበሬታት እትምዝግብ። ሰራሕተኛታት ናይ “ኢንተኽራሲ-ቨርክ” ጥራሕ እዮም ነቲ ናይ ውልቂ-ሓበሬታ ዝርእይዎ። ብሕጊ ስለዝተቀሰነ፡ ብዘይ ፍቓድኩም፡ “ኢንተኽራሲ-ቨርክ” ነዚ ውልቃዊ-ሓበሬታ ምስ ካልእ ኣይትካፈሎን እያ።

እዚ ውልቓዊ-ሓበሬታ ብግቡእ ሕሉው እዩ። በዚ ብሓላፍነት እትሕተት እታ ዳይረክቶር ናይ “ኢንተኽራሲ-ቨርክ” እያ። ኩሎም ነቲ ውልቃዊ-ሓበሬታ ዝርእይዎ ሰራሕተኛታት “ኢንተኽራሲ-ቨርክ”፡ ነቲ ዝረኣይዎ ብምስጢር ከምዝዕቕብዎ ብኽታሞም ኣረጋጊጾም እዮም።

ነቲ ናትካ ውልቓዊ-ሓበሬታት ክትርእይዎ እንተደሊኹም፡ ነቲ ናትኩም ተሓጋጋዚ ክትውከስዎ ትኽእሉ ኢኹም። እንተድኣ ደሊኹም ኣብ ውሽጢ 15-መዓልቲ ቅዳሕ ናይቲ ናትኩም ናይ ውልቃዊ-ሓበሬታ ክወሃበኩም ይኽእል እዩ። እንተ ድአ ጌጋታት ረኺብኩሙሉ ድማ ንኽእረም ክትሐቱ ትኽእሉ ኢኹም።

ነቲ ናትኩም ውልቃዊ-ሓበሬታ “ኢንተኽራሲ-ቨርክ” ንሓሙሽተ-ዓመት ተቐምጦ።